ሃይድራዴኒተስ ሱፑራቲቫ (ኤች ኤስ) ሕዱር ነድሪ፡ እንዳተደጋገመ ዝመጽእ ሕማም ቆርበት ኮይኑ፡ ካብ ጽሕጊ ጸጉሪ ዝብገስ ሕዱር ነድሪ ዘስዕብ እዩ።

ምስሊ፡ @whoisivanna

ኣንዱ ፒ.ዲ.ኤፍ እዚ ይምልከት

ብዛዕባ ሃይድራዴኒተስ ሱፑራቲቭ

ሃይድራዴኒተስ ሱፑራቲቫ (ኤች ኤስ) – ፈጸጋ  ኢንቨርሳ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ሕማም ኮይኑ ሕዱርን ነድሪ ዝፈጥርን  መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ጕርዝውና ንፈለማ እዋን ዝጅምር እዩ።

ኤች ኤስ ብቃንዛ ዘለዎ ፈጸጋ፣ ዓሚቝ ፎሊኩላር ኖዱላት ፣ ዕንፍሩርን ቁስልን ዝልለ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቱሽቱሽ፣ ሽምጢ፣ መቐመጫ፣ ኣብ ትሕቲ ኣጥባት፣ ኣብ ከባቢ መሃንቱስን ኣብ ዕጻፍ ናይ ቆርበትናን ይኽሰት።

ደረጃ ጽንኩርነት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ገለ ሰባት ኣብ ውሑድ ቦታታት ቅልል ዝበለ ምልክታት ክህልዎም ከሎ፡ ገለ ድማ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ኣካላት ካብ ማእከላይ ክሳብ ከቢድ ምልክታት ክህልዎም ይኽእል።

ነጸርታ ብሓኪም ኣብ ሕክምናዊ ታሪኽ ናይቲ ሕሙምን ክሊኒካዊ መርመራ ቆርበትን ተመርኲሱ ይግበር። ኣብ መስርሕ እቲ ሕማም ብኣጋኡ ቅኑዕ መርመራ ምግባር በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ስለዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቅኑዕ መርመራ ንምርካብ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ጠንቂ ኤች ኤስ

ልክዕ ጠንቂ ኣገባብ ኤችኤስ ምሉእ ብምሉእ ብግቡእ ዳህሳስ ኣይተገብረሉን፣ እንተኾነ ግን ምናልባት  ናይ ሕማም ምክልኻል፣ ሆርሞናዊ፣ ጀነቲካውን ካልኦትን ንዕቤትን ምዕባለን ሕማም ኣገደስቲ ዝኾኑ ረቛሒታት ክህልዉ ይኽእሉ¹

ሽጋራ ምትካኽን መጠኑ ዝሕለፈ ርጉዲን ከም ነቲ ሕማም ዘጋድዱ ረቋሒታት ይቑጸሩ።

ኤች ኤስ ብሰንኪ ረኽሲ ዝመጽእ ኣይኮነን፣ ምስ ድኹም ጽሬት እውን ዝተሓሓዝ አይኮነን፣ ተላባዒ ድማ ኣይኮነን!

ምልክታትን ኣቀማምጣን

ዝረኣዩ ምልክታት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጸጉርን ጽክታት ረሃጽን ዝወስድ ቱቦታት ምዕጻው እዩ። ኣብዚ፡ ይፍጽግን እንዳነዝዐ ድማ ይመጉል። ካልኦት ምልክታት ድማ ከም ፈጸጋ ዝመስል ለውጢ ኣብ ቆርበትን ጸሊም ነጥብታትን ክኾኑ ይኽእሉ ። ኤችኤስ መብዛሕትኡ ግዜ ቃንዛ፡ ሕማቕ  ጨና ዘለዎ ፈሳሲን በሰላን የስዕብ። እዚ ድማ ብርግጽ ንህይወት እቲ ሕሙም ኣዝዩ ክጸልዎ ይኽእል።

        
ምስሊ፡ @whoisivanna

ጾታ ነቲ ዝረኣየሉ ቦታ ይጸልዎ። ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ኣብ ብልዕቶም፡ ኣብ ላዕለዋይ ውሽጣዊ ክፋል ሰለፍ፡ ኣብ ቱሽቱሽ ፡ ኣጥባት፡ መቐመጫ/ወይ ኣብ ስንጥቕ መቐመጫ የጋጥመን። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ከም ኣብ መላግቦ የእጋር፡ ሰለፍ ፡ ቱሽቱሽ ፡ ረቃቒቶ ፡ ከባቢታት መሃንቱስ፡ መቐመጫ/ወይ ስንጥቕ መቐመጫን ዝበዝሕ ግዜ ይጥቅዑ።

ጾታ ብዘየገድስ፡ ንፍሕፍሕን ጸቕጥን ዝተቓልዑ ከባቢታት ኣካላትና  ክጽልው ልሙድ እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ከባቢታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ መትሓዚ ወይ ቆበቶ ዝጥመር ከባቢ፡ ዕጻፍ ናይ ከብዲ ወይ ቆርበት ክኾኑ ይኽእሉ።

ጽንኩርነት ናይቲ ህማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም በብእዋኑ ናብ ካልእ አካላት ሰብነት ዝባዛሕ ፈጸጋ  ክህልዎም እንከሎ፡ ገሊኦም ድማ መዓልታዊ ምልክታት ዝረኣዮምን በቲ ሕማም ዝያዳ ዝተጠቕዑን፡ ዝዓበየ ደረጃ ነድሪን ዝዓበየ ፊስቱላን ኣለዎም።

ስርዓት ዝትንክፍ ሕማም። ኤች ኤስ ኣብ ቆርበት ዝረአ እዩ፣ እቲ ሕዱር ነድሪ ግን ንብዙሓት ኣካላት ዝጸሉ ኮይኑ ኣብቶም ኤች ኤስ  ዘለዎም ሕሙማት ካልኦት ሕማማት ብተደጋጋሚ ይረአ፣ እዚኦም ድማ ኣሰነይቲ ሕማማት ( comorbidities ) ዝበሃሉ እዮም። ብፍላይ ኤች ኤስ ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ሕማም ክሮን ፡ ቁስሊ ቆርበት ፡ ጭንቀትን ኣብ ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢን ዝተኣሳሰር እዩ።

ተወሳኺ ኣብነት ምስልታት ናይ ኤች ኤስ እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል: ኣብዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደርምኔት ጠውቑ

ተርእዮ ኤች ኤስ

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ዓለም ኣስታት 0.4% ብኤችኤስ ይጽለዉ ዝብል ግምት ኣለና። ። ኣስታት 1% ካብ ህዝቢ ኖርወይ እቲ ነጸርታ ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ክሳብ 1.7% ዝበጽሑ ኣብ ዘመን ዕድሚኦም ኤች ኤስ ከም ዘማዕብሉ የርኢ ¹, ²

ዕድመን ጾታን ምልክታት ኤች ኤስ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ዕድመ ንእስነት ወይ ከባቢ 40 ዓመት ዕድመ ይረአ። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ብኤች ኤስ ይጥቅዓ ¹

ምስሊ፡ ኤችኤስ ኣብ ቱሽቱሽ  (ስእሊ ፡ ቶሪ ንዳል ) ።

ቅድመ ገምጋምን ሕክምናን

ኤች ኤስ ሕዱር ሕማም እዩ ። እዚ ማለት ድማ ዝፍውሶ ሕክምና የለን ማለት እዩ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ጽቡቕ እዋናት  ምስ ዝወሓደ ጥዕናዊ ጸገማት ወይ ድማ ብዘይ ክኾነ ጥዕናዊ ጸገማት ከነብሩሉ ዝኽእሉ ሓያሎ ዓይነታት ሕክምና ኣለዉ። ምርጫ ሕክምና ኣብቲ እቲ ሕማም ምስ ክሊኒካዊ ጽንኩርነት ናይቲ ሓማም ሓዊስካ ንህይወት ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ይምርኮስ ¹

ፈጸጋን ዕንፍሩርን ምንታዕ ወይ ምፍሳስ ኣይምከርን ¹ ። ዋላ እኳ  ቃንዛ ዘቃልል እንተኾነ፡ እቲ ፈጸጋ ወይ ዕንፍሩር ብቕልጡፍ ናይ ምምላስ ተኽእሎኡ ልዕሊ 90% እዩ።

ደረጃ ሕክምና። እቶም ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ሕክምና ከም ስጉምትታት ክንርእዮም ንኽእል ኢና። እቶም ዝተሓተ ስጉምትታት ንዝቐለለ ሕማም ዝምልከቱ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ዝለዓሉ ስጉምትታት ድማ ነቶም ከቢድ ሕማም ዘለዎም ይምልከቱ።

1ይ ደረጃ፡ ኣብ ከባቢ ፈጸጋ ዝግበር ሕክምና

  • ኣብ እዋኑ ዝውሰድ ጸረ-ረኽሲ
  •  ጸረ-ባክተርያዊ ክንክን ጽሬት

2ይ ደረጃ፡ ጸረ-ረኽሲን መጥባሕትን

  •  ጸረ-ረኽሲ ከኒና
  • ኣገባባት መጥባሕቲ (ንኣብነት ምእላይ መንደቕ ቆርበት ወይ ጨረርታ ካርቦንዲአዮክሳይድ)።

3ይ ደረጃ፡ ኢሚዩኖሞዱላቶሪ ሕክምና

  •    መርፍእ  ኣዳሊሙማብ (ባዮሎጂካዊ መድሃኒት)።

ብዛዕባ ሕክምና ኤች ኤስ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ (ብቋንቋ ኖርወይ )

ምስ ኤች.ኤስ ምንባር

መብዛሕትኦም ምስ ኤች ኤስ ዝነብሩ ሰባት ፍልጠትን ርድኢትን ናይ እቲ ሕማም ምርካብ፡ ነቲ ምስ ሕዱር ሕማም ምህላው ክተሓሓዝ ዝኽእል ስነ-ኣእምሮኣዊ ጾር ንምግጣም ቀሊል ይገብሮ። ብዛዕባ እቲ ሕማም ብግልጺ ክትዛረብን ካብቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ደገፍ ክትሓትትን እውን ዝቐለለ እዩ።

ናይ ስራሕ ዓቕሚን መሳለጥያታትን  ኤች ኤስ ናይ ስራሕ ዓቕሚ ክድርት ይኽእል እዩ፡ ገለ ሰባት ድማ ግዜኦም ከይኣኸለ ካብ  ስራሕ ዓለም የቋርጹ። ይኹን እምበር መብዛሕትኦም ኤች ኤስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ናይ ስራሕ ኩነታት ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኩነታት ንዕኡ ዝምጥን እንተኾይኑ እዩ። ምምችቻው ናይቲ ኣስራሒ ሓላፍነት እዩ፣ ምስ ሓኪም ብምምኽኻር ድማ ናይ ስራሕ ቦታኻ ብዝተኻእለ መጠን ምስ ናይ ስራሕ ዓቕምኻ ክሰማማዕ ኣለዎ።

ናይ ደገፍ መደባት ሕዱር ሕማማት ቆርበት ዘለዎም ሰባት ናይ ቁስሊ ፕላስተር ፣ ንሕክምናዊ ሃለኽቲ ነገራትን ብዘይ ዶክተር ንዝሽየጡ መድሃኒታትን ድጎማ ክረኽቡ ይኽእሉ። ካብ ሃገራዊ መደብ መድሕን ተመላስ ገንዘብ ንምርካብ፡ መጀመርታ ናብቲ መደብ ንኽትኣቱ ከተመልክት ኣለካ፡ እዚ ድማ ብሓኪም ቆርበትካ ክግበር ኣለዎ።

ብዛዕባ መሰላትኩምን ናይ ምምላስ ኣማራጺታትኩምን ዝያዳ ኣብዚ ኣንብቡ !

ከም ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ መጠን ብዛዕባ መሰላትካ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ናብ መስመር ቴሌፎን መሰላት ኤፍ.ኤፍ.ኦ. 23 90 51 55 ተወከስ