ኣቶፒክ ኤክዚማ ኣዝዩ ተለዋዋጢ መስርሕ ዘለዎ ሕማም ቆርበት እዩ። እቲ ሕማም ደረቕ ቆርበት፣ ረስኒ፣ ብርቱዕ ሳሓ ዝልለ እዩ። ምልክታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዜ ንእስነት እዩ ዝረአ፡ ይኹን እምበር ኣብ ድሒሩ ዝመጽእ ህይወት እውን ክረአ ይኽእል።

ስእልታት፡ iStock

ኣንዱ ፒ.ዲ.ኤፍ እዚ ይምልከት

ብዛዕባ ኣቶፒክ ኤክዚማ

ኦቶፒክ ኤክዚማ ሕዱርን እንዳተደጋገመ ዝኽሰት ሕማም ቆርበት ኮይኑ ፡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ኣካላትና ብሰሓ፡ ደረቕ ቆርበትን ረስኒን ዝልለ እዩ። እቲ ሕማም ዋላ እዃ ሕዱር እንተኾነ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሕግዙ ዝኽእሉ ሓያሎ ዓይነታት ሕክምናዊ ፍወሳታት ኣለዉ።

ደረጃ ጽንኩርነት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። መብዛሕትኦም ኣቶፒክ ኤክዚማ ዘለዎም ሰባት ንኣሽቱ ቦታታት ቅልል ዝበለ ረስኒን ቅልል ዝበለ ሳሓ ጥራይ እዩ ዘለዎም። ኣብ ከቢድ ኣቶፒክ ኤክዚማ፡ ከቢድ ረስኒን ብርቱዕ ሳሓን ዘለዎ ዝዓበየ ክፋል ቆርበት ይረአ።

ነጸርታ ብሓኪም ኣብ ሕክምናዊ ታሪኽ ናይቲ ሕሙምን ክሊኒካዊ መርመራ ቆርበትን ተመርኲሱ ይግበር። እቲ ሓኪም ብዛዕባ እቲ መርመራ ጥርጣረ እንተሃልይዎ፡ ተወሳኺ መርመራታት ከድሊ ይኽእል እዩ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ንእሽቶ ቅምሶ ቆርበት ( ባዮፕሲ ) ምውሳድ ግቡእ ክኸውን ይኽእል።

ኣቶፒክ ኤክዚማ ተላባዒ ኣይኮነን።

ጠንቂ

ጠንቂ ኣቶፒክ ኤክዚማ ዝተሓላለኸን ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዘይተፈልጠን ኮይኑ፡ ጀነቲካውን ከባብያውን ረቛሒታት ግን ተራ ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና። ኣብ ድሕረ ባይታ ኣቶፒክ ኤክዚማ ዘሎ ኣገባባት ንምርዳእ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል።

ኣቶፒክ ኤክዚማ ምስ ዝኽሰት፡ መከላኸሊታት ቆርበት ይደክም፡ እዚ ድማ ቆርበት ንከባቢኡ ዘለዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ውሑድ  ይገብሮ። ኣቶፒክ ቆርበት ብቐሊሉ ብከባቢ ይጽሎን ካብ ጥዑይ ቆርበት ዝያዳ ጠሊ ይፍኑ፡ ስለዚ ድማ ዝነቐጸ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዝደኸመ መከላኸሊ ቆርበት፡ ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ቆርበት ለውጢ ስለዘሎ፡ ቅይሕን ሰሓን ረስኒን፡ ኤክዚማ የስዕብ።

ተውሳስን ደረቕ ቆርበትን ብዙሕ ሰሓንን ብዙሕ ንቆርበት ምሕኻኽን  ነቲ መከላኸሊ ቆርበት ዝያዳ የዳኽሞ። ሰሓ ናብ ምሕካኽ የስዕብ እዚ ድማ ብግዲኡ ካልእ ሰሓ የስዕብ፣ እዚ ዝደጋገም ዑደት ሰሓ-ምሕኻኽ ይበሃል ። በዚ መንገዲ እዚ እቲ ሓካኪን ይጋደድ እሞ ብዙሓት ሰባት ናብ ዘይደለይዎ ዕጫ ይኣትዉ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ኤክዚማ ሕዱር ይኸውንን ኣብቲ ከባቢ ኸኣ ሓደጋ ረኽሲ ቆርበት ይውስኽን።

 

ምልክታትን ኣቀማምጣን

እቲ ሕማም ደረቕ ቆርበት፣ ረስኒ፣ ብርቱዕ ሳሓ ዝልለ እዩ። እቲ ተውሳስ ሓርፋፍ ከኸውን እንከሎ ይቐይሕን ይረግፍን። ሓደ ሓደ ግዜ ፈሳሲ ዘለዎ ዕንፍሩር/ናኣሽቱ ፈጸጋ ይፈጥር። እቲ ተውሳስ ኩሉ ግዜ ክህሉ ይኽእል ወይ ድማ ክመጽእን ክኸይድን ይኽእል። ገለ ሰባት ንእሽቶ ቦታታት ቅልል ዝበለ ሰሓ ጥራይ ክህልዎም እንከሎ፡ ገለ ድማ ሰፊሕ ከባቢታት ቆርበት ምስ ብርቱዕ ሰሓን ተውሳስን ክህልዎም ይኽእል።

እንታይ ይመስል እቲ ኣብ ቆርበት ዝረአ ደረቕ ቦታታትን ኤክዚማን ካብቲ ዝተረፈ ቆርበት ዝተፈለየ ሕብሪ ይሕዝ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ቆርበት ድማ ዝተፈላለየ ክመስል ይኽእል። ኣብ ጽዕድው ዝበለ ቆርበት፡ እቲ ኤክዚማ ዘለዎ ቦታ ቀይሕ ወይ ሮዛ ክመስል ይኽእል። ኣብ ጸሊም ቆርበት፡ እቲ ምቕያሕ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣይረአን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ካብቲ ኣብ ዝተረፈ ክፋል ኣካላት ዘሎ ቆርበት ዝጸለመ ይመስል፡ እቲ ከባቢታት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ወይናይ ወይ ሓሙኽሽቲ ሕብሪ ኣለዎ።

ኣበየናይ ክፋል አካላትና ይረከብ ተውሳስን ዕንፍሩርን ናይ ኣቶፒክ ኤክዚማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣካላትና ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ክረአ ልሙድ እዩ።

ኣብ ዕሸላት (0-2 ዓመት)፡ ኣብ ገጽን ኣብ ኣብ  ቅልጽምን እግርን ተውሳስ ክረአ ልሙድ እዩ። ኣብ ክሊ ዕድመ  (2-12 ዓመት)፡ ኤክዚማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብርኪ ኢድን ብርክን ይርከብ፡ ኣብ ጕርዝውናን ብጽሕናን ድማ ተውሳስ ዝያዳ ኣብ ገጽ፡ ክሳድን ኣእዳውን ይርአ።


ስእልታት፡ ኣብ ዕሸላትን ዓበይትን ዝረአ ኣቶፒክ ኤክዚማ። (iStock).

ተርእዮ

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ስካንዲናቭያ ካብ ኣርባዕተ ቆልዑ ሓደ ( 1 ) ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ዓሰርተ ደቂ 18 ዓመት (2) ኣቶፒክ ኤክዚማ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ተርእዮ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ልክዕ ከምቲ ኣብ ህጻናት ልዑል እዩ። ኣስታት 70% ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዕድመኦም ኤክዚማ የጋጥሞም፣ ንኣስታት 30% ካብዚኦም ግን እቲ ኤክዚማ ቅድሚ ዕድመ ትምህርቲ ይሃድእ (3)

ቅድመ ገምጋምን ሕክምናን

ቅድመ ገምጋም ኣቶፒክ ኤክዚማ ሕዱር ሕማም ቆርበት ኮይኑ፡ ገለ ሰባት ግን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ካብ ኤክዚማ ነጻ ዝኾነ እዋን ክህልዎም ይኽእል። ብዙሓት ኣቶፒክ ኤክዚማ ዘለዎም ህጻናት ኣብ ዕብየቶም ውሑድ ጽልዋ ይህልዎ፡ ንብዙሓት ግን እቲ ምልክታት ክሳብ ጕርዝውናን ብጽሕናን ይቕጽል።

ክምና ንኣቶፒክ ኤክዚማ ሓያሎ ጽቡቓት ኣማራጺታት ሕክምና ኣለዉ፡ ሕክምና ብኣግኡ ምጅማር ድማ ኣገዳሲ እዩ። ኤክዚማ ብሞይስቸራይዘርን ፍወሳ ክሬማትን ንኣብነት ከም ኮርቲሶን ክሬማት ይፍወስ። ዝያዳ ጎሊሑ ዝረአን ከቢድን ኤክዚማ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ተወሳኺ ፍወሳ ከም ናይ ብርሃን ፍወሳ ወይ ከኒና/መርፍእ ከድሊ እዩ።

ቅልል ዝበለ ኣቶፒክ ኤክዚማ ብሓኪም ሓፈሻዊ ሕክምና ክሕከም እንከሎ፡ ዝያዳ ንሕክምና ዝጻወርን ከቢድን ኣቶፒክ ኤክዚማ ድማ ናብ ሓኪም ቆርበት ይውከስ።

ብሞይስቸራይዘር (ክሬም፡ ቅብኣት፡ ሎሽን) ዝግበር ሕክምና እቲ ኣገዳሲ ሕክምና እዩ። ንቑጽ ቆርበትን ሰሓን ንምክልኻል ኣብ መዓልቲ ክሳብ ብዙሕ ግዜ እቲ ክሬም ክልከ ኣለዎ። ከባቢታት ኤክዚማ ብኮርቲሶን ስቴሮይድ ወይ ንካልሲኒዩሪን ዝዓግቱ ዝበሃሉ ዓይነታት ህክምና ይሕከሙ። ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝዓብሱ ቅብኣታት/ክሬም ኣብ ቆርበትና ንዘሎ ነድሪ ይቕንሱን ሰሓ የቃልሉን እዮም።

  
ስእልታት፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ቆርበት ንነዊሕ እዋን ዝጽነሕ ሳሓ ምዕባስ ቆርበት ( lichenization ) ከስዕብ ይኽእል።
 

ምስ ኣቶፒክ ኤክዚማ ምንባር

ብዙሓት ብኣቶፒክ ኤክዚማ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ንዓይነት ህይወቶም ብዓቢ ወይ ብውሑድ ደረጃ ከም ዝጸልዎ ኮይኑ ክረኽቡዎ ይኽእሉ። ጽቡቕ ናይ ምልካይ ልምድታት ምውህሃድን ንቆርበት ብዝበለጸ መንገዲ ምሕብሓብን ኣገዳሲ እዩ።

ንኤክዚማ ንኸይገድድ ዝሕግዙ ምኽርታትን ሜላታት

  • ንነዊሕ እዋን ኣብ ውዑይ ማይ ካብ ምሕምባስ ወይ ምሕጻብ ኣወግድ።
  • ኩሉ ግዜ ድሕሪ ሻወር/ምሕምባስ ኣብ ቆርበትና ሞይስቸራይዘር ምልካይ።
  • ንቆርበትካ ዘቖጥዕ ክዳውንቲ (ብተለምዶ ኡል ወይ ርጉድ ዝበለ ክዳውንቲ) ካብ ምኽዳን ተቖጠ።
  • ብለይቲ ናይ ላዕሊን ናይ ታሕቲን ልስሉስ ፓጃማን ምኽዳን ኣብ ድቃስ ከለኻ ካብ ምሕኻኸ ክከላኸል ይኽእል ’ ዩ ።
  • ብለይቲ ናይ ጡጥ ጓንቲ ምግባር ኣብ ድቃስካ ካብ ምሕኻኻ ክከላኸል ይኽእል ’ ዩ ።
  • ጽፍርኻ የሕጺርካ ምቑራጽ ካብ ምሕኻኽ ክከላኸል ይኽእል ።
  • መደቀሲኻ ዝሑልን ኣየር ዘለዎን ይኹን።
  • ልኡም ጽሬት ኢድ፦ ጸረ-ረኽሲ ኣልኮል ምስ ግሊሰሮል ካብ ምሕጻብ ኢድ ዝያዳ ልኡም እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ጥራይ ኣእዳውካ ተሓጸብ። ልብጥ ዝበለ ማይን ልኡምን ሽታ ዘይብሉን ሳሙናታትን ተጠቐም። ድሕሪ ምሕጻብ ኢድካ ሞይስቸራይዘር ምጥቃም።

 

ናይ ደገፍ መደባት ሕዱር ሕማም ቆርበት ዘለዎም ሰባት፡ ብዘይ ዶክተር ዝሽየጡ ፍወሳታት ምሕጻብን መድሃኒታትን ክረኽቡ ይኽእሉ። ካብ ሃገራዊ መደብ መድሕን ንመድሃኒታት ዝኸፈልካዮ ገንዘብ ንኽምለሰልካን፡ ናብቲ መደብ ንመታውን መጀመርታ  ከተመልክት ኣለካ፡ እዚ ድማ ብሓኪም ቆርበትካ ክግበር ኣለዎ።

ብዛዕባ መሰላትኩምን ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ምምላስ ኣማራጺታት ኣብዚ አንብብ።         .

ከም ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ መጠን ብዛዕባ መሰላትካ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ናብ
መስመር ቴሌፎን መሰላት FFO  ቴለፎን 23 90 51 55 ደውሉ።